ኣብ ሶማሊላንድ፣ ከተማ ሃርጌሳ፣ ብዘጋጠመ ባርዕ ልዕሊ 2 ሽሕ ትካላት ንግዲ ተሃሙዅ

Radio Erena: 04 April 2022

ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ከተማ ሃርጌሳ፣ ዑሙር ዕዳጋ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ብዘጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 2 ሽሕ ዱኳናትን ኣብያተ ሸቐጥን ከምዝተሃሞኸ መንግስቲ እታ ሃገር ብ2 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ትሽዓተ ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 28 ሰባት ‘ውን ብቃጸሎ ኣብ ሕክምና ይእለዩ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ባሕቲ ሚያዝያ፣ ለይቲ ከምዘጋጠመ ዝተገልጸ ባርዕ፣ ጠንቑ ገና ኣብ ምጽራይ’ዩ ዝርከብ።

እቲ በቲ ባርዕ ዓንዩ ዘሎ ዕዳጋ፣ ንኣስታት 50% ንግዳዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ዝሽፍን ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

በቲ ባርዕ፣ ትካላቶም ዝተሃሞኸ ነጋዶን ጥራይ ኢዶም ስለዝተረፉ ካብ መንግስቲ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ሓገዝ ይጽበዩ ምህላዎም ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ሙሰ ቢሒ ብወገኑ ናብቲ ብባርዕ ዝተሃሞኸ ከባቢ ብምብጻሕ መንግስቲ ንግዳያት ንምሕጋዝ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ንግዳያት እቲ ኣብ ታሪኽ እታ ርእሰ ምምሕዳር ዘጋጠመ ዝበኣሰ ምዃኑ ዝተገልጸ ባርዕ ብህጹጽ ንምሕጋዝ፣ ሓደ ሚልዮን ዶላር ከምዝተቐረበ’ውን ኣፍሊጡ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ዝቐረቦ ህጹጽ ሓገዝ፣ ምስቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕንወት ዝዳረግ ከምዘይኮነ ዜጋታት እታ ሃገር ይወቕሱ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0