ኣብ የመን፣ ክልተ ኣባላት ሓካይም ብዘይዶብ፣ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተጨውዮም

Radio Erena: 07 March 2022

ኣብ የመን፣ ክልተ ኣባላት ሓካይም ብዘይዶብ፣ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከምዝተጨውዩ ተገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ረዲኤት ብሰንበት 6 መጋቢት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቶም ዝተጨውዩ ኣባላቱ ዜጋታት ጀርመንን መክሲኮን ምዃኖም እምበር ኣስማቶም ንድሕነት ስድራቤቶም ክብል ዓቂቡዎ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣልሸባብ እዩ ነቲ ሓላፍነት ዝስከም ክብሉ ኣባላት ጸጥታ ናይቲ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ገሊጾም።
ዝሓለፈ ወርሒ ሓሙሽተ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝተጨውዩ ዘዘኻኸሩ እቶም ኣባላት ጸጥታ፣ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ሓላፍነት ከምዝወሰደሎም ሓቢሮም።

 

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0