ፕረዚደንት ኬንያታ፤ ተቐናቓኒኡ ንዝነበረ ራይላ ኦዲንጋ ደገፉ ገሊጹ

Radio Erena: 25 February 2022

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፤ ኣብ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፤ ህዝቢ ንምኽትሉ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ሕጹይ ተወዳዳሪ ከይመርጽ ጸዊዑ።

እቲ ፕረዚደንት ብረቡዕ 23 ለካቲት ንህዝቢ ኣብ ዘስመዖ መደረ፤ ኣብቲ ንወርሒ ነሓሰ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ’ታ ሃገር፤ ተቐናቓኒኡ ንዝነበረ ራይላ ኦዲንጋ ድጋፉ ከምዝህብ ገሊጹ።

‘ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፤ ንውልቃዊ ረብሓኡ ጥራይ ዝሰርሕ ስሱዕ ሰብ እዩ’ ብምባል ኬንያታ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሕጹይ ተወዳዳሪ ዘለዎ ጽልኢ ድሕሪ ምግላጹ፤ህዝቢ ብቃላት ዊልያም ሩቶ ክደናገር የብሉን ኢሉ።

ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ መተሃላልኽቱ ንዝነበረ ራይላ ኦዲንጋ፤ ‘ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፍልል ኔሩና እምበር፤ ኦዲንጋ ንህዝቡ ዝሓልይ መራሒ እዩ’ ብምባል ገሊጹዎ።

ብሰንኪ ምትፍናን ኡሁሩ ኬንያታን ራይላ ኦዲንጋን፤ ህዝቢ ኬንያ ናብ ውግእ ሓድሕድ ከይኣቱ ተሰጊኡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ንህዝቢ ኬንያ ዝሓሸ ኣማራጺ፤ ኦዲንጋ ምዃኑ፤ ፕረዚደንት ኬንያታ ምስክርነቱ ይህብ ኣሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0