ኤውሮጳዊ ሕብረት ናይ 170 ቢልዮን ዶላር ፋይናንስያዊ ሓገዝ ንሃገራት ኣፍሪቃ ለጊሱ

Radio Erena: 20 February 2022
ሕብረት ኤውሮጳ ንልምዓታዊ ሓገዝ ዝውዕል ናይ 170 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ንሃገራት ኣፍሪቃ ለጊሱ።
ኣብ ከተማ ብራስለስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ፕረዚደንት ቆንስል ኤውሮጳ ቻርለስ ሚሸል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እዚ ክሳብ 2030 ዓመተ ምህረት ዝጸንሕ ፋይናንስያዊ ሓገዝ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዝህሉ ዝምድና ንምድልዳል ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣመልኪቱ።
እቲ ናይ 170 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ኣብ ጽላታ ሕርሻ፣ ጥዕና፣ ትምህርትን ናይ መጎዓዝያ መራኸቢታትን ዘጠቓለለ ፕሮጀክታት ንምሽፋን ክውዕል’ዩ።
ምዕቃብ ኣከባቢ ሓደ ካብ ዓበይቲ ብልጫታት ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃኑ ዝገልጹ ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናይ ንፋስ፣ ማይን ጸሓይን ጸዓት ኣብ ምምንጫው ዝሕግዝ ወፍርታት ክካየድ ጠለባት ኣቕሪቦም።
ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ናይ 450 ሚልዮን ክታበት ጸረ ኮቪድ19 ሓገዝ ንሃገራት ኣፍሪቃ ክልግስ መብጽዓ ምእታዉ ይዝከር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0