ኣማኢት ስደተኛታት ጽዒና ብዘይመራሒ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከተንሳፍፍ ዝጸንሐት መርከብ ድሒና

ኣማኢት ስደተኛታት ጽዒና ብዘይመራሒ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከተንሳፍፍ ዝጸንሐት መርከብ ድሒና

Radio Erena: 06 January 2015

ship

ኣማኢት ስደተኛታት ጽዒና ብዘይመራሕቲ ኣብ ባሕሪ ከተንሳፍፍ ዝጸንሓት መርከብ፣ ብሓይሊ ኣየር ኢጣልያ ዲሕና።

እታ ሞተራ ጠፊኡ፣ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኢጣልያ ብዘይመራሕቲ ከተንሳፍፍ ዝጸንሐት መርከብ በቲ ቦታ ብትሓልፍ ዝነበረት ናይ ኣይስላንድ ናይ ጽዕነት መርከብ ተጎቲታ ቁርብ ርሕቀት ድሕሪ ምጉዓዛ’ያ ብሓይሊ ኣየር ኢጣልያ ቅልጡፍ ሓገዝ ክትረክብ ክኢላ።

እታ ናብ ቀዳም ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝደሓነት መርከብ፣ ብዘይመራሕቲ ኣብ ባሕሪ ምጽንሓ፣ ኣሰጋገርቲ ሰባትን ደላሎን ንፖሊስ ሃገራት ኤውሮጳ ንከይትሓዙ፣ ኣብ ገማግም ባህሪ ኣብጺሖማ ብኻልእ ጃልባ ተመሊሶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝጥቐስ ዘሎ።

 

ሓይሊ ኣየር ኢጣልያ ኣቐዲሙ’ውን ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ብዘይመራሕቲ ኣብ ባሕሪ ዝተሓድገት ጃልባ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከምዘድሓነ ኣፍሊጡ።

መብዛሕቶም እቶም ምስተን ክልተ መራኽብ ዝጸንሑ ስደተኛታት ዜጋታት ሶርያ ምዃኖም እኳ እንተተገልጸ፣ እተን መራኽብ ካበይ ከምዝተበገሳ ግና ኣይተሓበረን።

እዚ ተርእዮ’ዚ ዚ ሓድሽ ምዃኑ ዝገለጹ ሰበ ስልጣን ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ኣሰጋገርቲ ሰባትን ደላሎን ካብ ፖሊስ ሃገራት ኤውሮጳ ንምህዳም፣ ህይወት ኣማኢት ስደተኛታት ብዝበኣሰ ኣብ ሓደጋ የእትዉ ምህላዎም ኣገንዚቦም።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝነበረ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ መራኽብ ምስግጋሩ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብዚ ጉዳይ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስዳ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ጸዊዖም።

ፖሊስ ኢጣልያን ጀርመንን፣ ብምስግጋር ሰባትን ምድላልን ዝተጠርጠሩ 11 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ዝሓለፈ ወርሒ ምግላጹ ይዝከር።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0