ኣመሪካ፤ ኢትዮጵያ ካብ ቱርኪ ዝገዝኣቶ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ

Radio Erena: 24 December 2021

ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ቱርኪ ዝሸመተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ጉድኣት የውርዳ ኣለዋ ብምባል፤ ቱርኪ ነቲ ስምምዕ መሸጣ ኣጽዋር ክትስርዞ ናብ ሰበስልጣን’ታ ሃገር መልእኽቲ ከምዝሰደዱ ኣፍሊጦም።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቱርኪ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ፤ መሸጣ ኣጽዋር ቱርኪ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ምስ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ይገራጮ ምህላዉ ገሊጹ እዩ።

ናብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምእትሸይጥ ትገልጽ ቱርኪ፤ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ከይሰፍን ኣሉታዊ ተራ ትጻወት ኣላ ንዝብል ክሲ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂባትሉ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ካብ ኣንካራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኪናት ካብ ዝለዓል፤ ምስ ኩሎም ወገናት ርክብ ተካዪድ ከምዘላን፤ ሰላማዊ ፍታሕ ንኽርከብ ጻዕርታት ተካዪድ ከምዘላን ሓቢሩ።

ቱርኪ ንኢትዮጵያ ሸይጣቶ ዝበሃል ዘሎ ወተሃደራዊ ኣጽዋር፤ ኣብ 2021 ጥራይ ናብ 95 ሚልዮን ዶላር ክብ ከምዝበለ ጸብጻባት’ታ ሃገር የመልክቱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0