ጂቡቲ፣ ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን 1.7 ቢልዮን ዶላር ከሲረ ኢላ

Radio Erena: 23 November 2021

ጂቡቲ፣ ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ካብ ናብን ናብን ዝካየድ ዝነበረ ንግዳዊ ልውውጥ ብ20% ከምዘንቆልቆለ ገሊጻ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ጂቡቲ፣ ኤልያስ ሙሳ ድዋለ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ወራር ዕስለ ኣንበጣን ተደራሚሩ፣ ንግዲ ከምዝዝሕትልን ሽቅለት ኣልቦነት ከምዝዛይድን ስለዝገበረ፣ ንጂቡቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ 1.7 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከምዘስዓበላ ኣረዲኡ።

ብፍላይ ኵናት ትግራይ፣ ናብ ክልላት ዓፈር ኣምሓራን ሰሜን ሸዋን ልሒሙ፣ ንዝነበረ ዋሕዚ ንግዲ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ከምዘሎ’ዩ ዝጥቐስ።

ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ናይቲ ካብ ወጻኢ ሃገራት እትሽምቶ ይኹን ናብ ወጻኢ ሃገራት እትልእኮ ፍርያት፣ ንወደብ ጂቡቲ’ያ ትጥቐመሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣመሪካ ብዘንበረትላ እገዳ ካብ ንግዳዊ ልውውጥ ኣጎዋ ተኣልያ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ንሰድድ እትልእኮ ዝነበረት ፍርያት ክንኪ ምስ ምዃኑ፣ ኣብ ቁጠባ ናይታ ናይ ወደብ ኣገልግሎት እትህባ ጂቡቲ’ውን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝህልዎ ይትንተን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0