ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምእሳር ተወላዶ ትግራይ ብዝሰፍሐ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ

Radio Erena: 19 November 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር ብጅምላ ምእሳር ብሰፊሑ ይቕጽሎ ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ወቒሱ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ መዓልታት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ተወላዶ ትግራይ ተኣሲሮም።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ገዛ ገዛ እናኣተዉ ብዘካይድዎ ተፍትሽ ከምኡ ድማ ብመካይን ይኹን ብኣጋር ንዝጎዓዙ፣ ኣብ ጎደናታት እናዓገቱ፣ ተወላዶ ትግራይ ንዝኾኑ ጥራይ ፈልዮም መንነትን መበቆልን ዘተኮረ ናይ ኣልማማ ምእሳር ስጉምታት ይወስዱ ምህላዎም ክቃላሕ ጸኒሑ’ዩ።

እቶም ካብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ተገፊፎም ዝእሰሩ ዘለዉ ተወላዶ ትግራይ፣ ናብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ ማእከላት ይውሰዱ ከምዘለዉ ዝጠቕሱ ሓያሎ ተዓዘብቲ፣ እታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ናይ ምክፍፋልን ጎንጽን መንገዲ ተምርሕ ምህላዋ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ርእሲ’ዚ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር፣ ካብ ዝኾነ ዓይነት መንግስታዊ ስራሕ ይድስክሉን ይስጎጉን ምህላዎም ‘ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ህወሓት ርክብ ክህልዎም ይኽእል’ዩ ብዝብል ጥርጣረ ዝኣሰሮም ሰባት ከምዘለዉ እኳ እንተዘይክሓደ፣ ‘ተወላዶ ትግራይ ብኣልማማ ይኣስር ኣሎ’ ንዝብል ክሲ ግና ነጺጉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዘሎ ከበባ፣ ብጥሜት ዓጸቦን ተጠቒዖም ካብ ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት፣ ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ጥቅምቲ ኣብ ዝነበራ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ብከቢድ ዓጸቦ ተጠቒዖም፣ ኣብ 14 ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ትግራይ ክእለዩ ዝጸንሑ ኣስታት 200 ዝኾኑ፣ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ከምዝሞቱ፣ ንሓካይም እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0