ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ብዛዕባ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ኬንያ ዘትዩ

Radio Erena: 18 November 2021

ናብ ኣፍሪቅ ናይ መጀመርያ ዑደቱ ዘካይድ ዘሎ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ኣብ ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምትኳር ተመያይጡ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፣ ብረቡዕ 17 ሕዳር ናብ ኬንያ ኣትዩ ዘሎ፣ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፣ ብዛዕባ ተኽእሎታት ምቁራጽ ተዅሲ ብዝምልከት ንምዝታይ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ኣካይዱ ናብ ሃገሩ ምስ ተመልሰ’ዩ።

ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ምምሕዳር ባይደን፣ ናብ ኢትዮጵያ ብምምራሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ብቀጥታ ክዘራረብ ዘይመረጸሉ ምኽንያት፣ ኣመሪካ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እትኽሎ ምስ ዘላ ፖሊስ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ኣብ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ኵናት ትግራይን ብተዛማዲ ማእከላይ መርገጺ ሒዛ ኣላ ናብ እትብሃል፣፣ ጎረቤት ሃገራት ዝኾነ ኬንያ ኣምሪሑ ዘሎ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ኣብ ኩነታት ሱዳንን ሶማልን ብዝምልከት’ውን ምስ ፕረዚደት እታ ሃገር ከምዝተመያየጠ ተሓቢሩ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበሮ ፖለቲካዊ፣ ወትሃደራውን ጸጥታውን ኩነታት ተመሊሱ ከምዘሎ ኣብ ዝትንተነሉ ዘሎ ግዜ፣ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ምስፋን ሰላም ምትካል ደሞክራስያውን ስርዓታትትን ቀዳማይ ኣጀንዳኣ ምዃኑ ይጥቐስ።

‘ደሞክራሲ ከቢድ ብድሆ ገጢምዎ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክንሰርሕ ኣለና።’ ክብል እቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ኣብ ናይ ኬንያ ዑደቱ ከምዝገለጸ ማዕከን ዜና ፎክስ ኒውስ ኣገንዚቡ።

ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ዑደቱ ብምቕጻል ናብ ናይጀርያን ሰኔጋልን ከምርሕ ምዃኑ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0