ኣብ መዓስከር ሸገረብ ዝነበረ ውጡር ኩነታት ክሃድእ ጀሚሩ

ኣብ መዓስከር ሸገረብ ዝነበረ ውጡር ኩነታት ክሃድእ ጀሚሩ

Radio Erena : 26 December 2014

shegr

ኣብ መዓስከር ሸገረብ ዝሓደረ ውጡር ኩነታት ካብ ሎሚ ወጋሕታ ብተመዛማዲ ክሃድእ ምጅማሩ ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ካብቲ መዓስከር ሃዲሞም ኣብ በረኻታት ዝነበሩ ስደተኛታት’ውን ይምለሱ ምህላዎምን፣ መብዛሕቶም እቶም ብፖሊስ ተወሲዶም ዝነበሩ ኤርትራውያን’ውን ከኣ ከምዝተፋነዉን ተፈሊጡ ኣሎ።

እንተኾነ ሕጂ’ውን ሓያሎ ካብቶም ዝተወስዱ ኤርትራውያን ኣብ ከሰላ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዝተታሕዙ ምህላዉ ይግለጽ።

ሬድዮ ኤረና ነቲ ኩነታት እናተኸታተለት፣ እዋናዊ ሓበሬታ ከተቕርበልኩም’ዩ።

 

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0