ፕረዚደንታት ግብጽን ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይልን ምትሕግጋዝ ክልቲኤን ሃገራትን ዘትዮም

Radio Erena: 11 October 2021

ግብጽን ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይልን ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ መደባትን ብዝምልከት ዘትየን።

እቲ ዘተ፣ ዝተኻየደ፣ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ኢትሓድያ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ’ዩ።

ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት ዝመርሖ ላዕለዋይ ኣካል መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ፣ ብሰንበት 10 ጥቅምቲ ‘ዩ ናብ ግብጺ ኣትዩ።

ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ግብጺ፣ ምስ ጎረባብቲ እታ ሃገር፣ ጽዑቕ ናይ ዲፕሎማሲን ናይ ምትሕግጋዝን መደባት ከተካይድ ጸኒሓ’ያ።

ምስቲ ዝህነጽ ዲጋ ተሃድሶ ናይ ኢትዮጵያ ዝዳወብ ዞባ ዘለዋ ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ፣ ምስ ግብጺ ኣብ ሕርሻን ቀረባት ማይን ዘተኮረ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ኣብ ምስልሳል’ያ ትርከብ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0