ሱዳንን ቀጠርን፣ ወትሃደራዊ ዝምድናአን ንምሕዳስ ዘትየን

Radio Erena: 02 September 2021

ሱዳንን ቀጠርን፣ ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ ዝምድናአን ንምሕዳስ ኣብ ዝብል ዛዕባ፣ ዘተ ከምዘካየዳ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እዘን ክልተ ሃገራት ነዚ ዝዘተያ፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ጀነራል መሓመድ ዖትማን ኣል ሑሰን ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሱዳን፣ ብ31 ነሓሰ፣ ናብ ቀጠር ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ።

እቲ ጀነራል፣ ምስ ቀጠራዊ መዘንኡ ጀነራል ጋነም ቢን ሻሂን ኣል ጋነም ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ርክባት ኣካይዱ።

ምስ ስርዓት ኣል በሺር ጥቡቕ ዝምድና ዝነበራ ቀጠር፣ ምስ ቱርኪ ብምሽራኽ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ወደብ ሱዋኪን ናይ ሱዳን፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ ውጥን ኔሩዋ’ዩ።

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኣል በሺር፣ ስልጣን ሒዙ ዝርከብ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ዝምድንኡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ሕቡራት ኢማራትን ከምዘዛዘወ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ቀጠር’ውን ኣብ ወፍሪ፣ ንግዲን ወትሃደራዊን ዘረኮረ ዝምድንኣ ንምሕዳሱ ዲፕሎማስያዊ ዝርክባታ ከተሐይል ጸኒሓ’ያ።

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት’ዚ ናብ ቀጠር ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ክልቲኤን ሃገራት ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ኩሉ መዳያዊ ዝምድንአን ዳግም ክሕደስ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ኣይርሳዕን።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0