ኣልበሽር፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክርከብ’ዩ።

Radio Erena: 17 August 2021
ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክርከብ’ዩ፣ ክብላ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ኣቃሊሐን።
ኣልበሽር ኣብ ዳርፉር ፈጺሙዎ ብዝበሃል ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝርከቦም ሓያለይ ክስታት፣ ኣብ 2009 ተመስሪቱዎ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ማሪኣም ኣል-ማህዲ ንሲ.ኤን.ኤን. ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ካቢኔ’ቲ መንግስቲ፣ ንኣልበሽር ከረክቦ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ሓቢራ።
እዚ ሓበሬታ’ዚ ዝዝርጋሕ ዘሎ፣ ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከሪም ካህን፣ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን’ታ ሃገር ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ እዩ።
ኣኽባር ሕጊ ከሪም ካህን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ምስ ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን መሓመድ ሓምዳን ዳግሎን ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣልበሽር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክርከብ ተሪፉዎ ዘሎ ናይ መወዳእታ ደረጃ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወሃብ ውሳኔ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኣልበሽር፣ ብልሽውናን፣ ምውናን ዘይሕጋዊ ናይ ወጻኢ ባጤራን ብዝርከቦ ክስታት ድሮ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ እዩ።
ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣቕሪብሉ ዘሎ ክስታት ግና፣ ጃምላዊ ህልቂት፣ ገበናት ኲናትን፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝብሉ ዓበይቲ ገበናት ምዃኖም ይፍለጥ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝርከቦም ኣህጉራዊያን ተጣበቕቲ መሰላት፣ ኣልበሽር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ እንተተረኪቡ፣ ስድራቤት ግዳያት፣ ንነዊሕ እዋን ክጽበዩዎ ዝጸንሑ ፍትሒ ክረኽቡ ስለዘኽእሎም እወታዊ ስጉምቲ’ዩ ኢሎም።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0