“ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣስታት 24 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ስእነት መግብን ማይን የንጸላልዎም ኣሎ።” UNHCR

Radio Erena:27 July 2021

ኣብ ትግራይ፣ ኣብ ዝርከባ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ኣስታት 24 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ስእነት መግብን ማይን የንጸላልዎም ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብ ከባቢ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ወርሒ ክልተ ስደተኛታት ከምዝተቐትሉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት-UNHCR ኣመልኪቱ።

ኣብዘን መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ወርሒ ሰነ መቝነን ከምዝወሰዱ ዝጠቐሰ ኣፈኛ UNHCR፣ ባባር ባሎሽ፣ ካብ 30 መዓልታት ንላዕሊ ከጽንሖም ከምዘይክእል ኣገንዚቡ።

ብዝቐልጠፈ ቀረብ ክውሕሰሎም እንተዘይክኢሉ፣ እቶም ኤርትራውያን ንሓደጋ ጥሜት ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ኣስሚርሉ።

UNHCR፣ ካብ 14 ሓምለ ኣትሒዙ ምስተን መዓስከራት ዝነበሮ ርክብ ተቛሪጹ ከምዘሎ እቲ ኣፈኛ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

===================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0