Radio Erena: 27 July 2021
ካብ 15 ሃገራት ዝተወጽኣ ኣሃዱታት ዝሳተፍኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣብ ጂቡቲ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ብእዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ተወዲቡ፣ 25 ሓምለ ጀሚሩ ንክልተ ቅነ ዝካየድ ልምምድ፣ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ዘተኮረ ኮይኑ፣ ሽፍትነት ባሕሪ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ንብረትን ከምኡ ድማ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ምግታእ ኣበርክቶ ክህልዎ ዝሕግዝ’ዩ ተብሂሉ።
ኣብዚ ሓባራዊ ልምምድ ዝሳተፋ ዘለዋ ሃገራት፣- ጂቡቲ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ኬንያ፣ ታንዛንያ፣ ሲሸልስ፣ ሞዛምቢክ፣ ማዳጋስካር፣ ሞውሪሸስ፣ ኮሞሮስ፣ ርዋንዳ፣ ጆርጅያ፣ ህንዲ፣ ብሪጣንያን ኣመሪካን’የን።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ካብ ዝርከባ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ካብዚ ልምምድ ዝተገለለት እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ’ያ።
ኢትዮጵያ’ውን ኣብቲ ዞባ እትርከብ ክነሳ፣ ኣብዚ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ክትሳተፍ ዘይተዓደመትሉ ምኽንያት፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ እተካይዶ ዘላ ኵናት፣ ኣመሪካ ክትግልላ ስለዝመረጸት ምዃኑ ተንተንቲ ይእምቱ።
======================
COMMENTS
ብዝይካ ጁቡቲ ኩለን ኣይምልከተን እዩ ካብተ ዝምልከተን ሱዳን ኣላ ሳዑዲ የመን ኤርትራ እየን ዋናታት