ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ፣ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ትወስዶ ዘላ ስጉምታት ብዝምልከት ምስ መራሕቲ ሱዳንን እዋናዊ ኣቦ መንበብር ሕብረት ኣፍሪቃን ተመያይጡ

Radio Erena:30 June 2021

ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል ፋሪድ ሄግዛይ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ፣ ኣብ ዴሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ሱዳንን ምብጻሕ ኣካይዱ።

ዕላማ ዑደት እቲ ወትሃደራዊ ልኡኽ፣ ብዛዕባ’ቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝመጽእ ወርሒ ከተተግብሮ ወሲና ዘላ ምምላእ ዲጋ ተሃድሶ ብዝምልክት ምስ እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ዴሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን፣ ፌሊክስ ተስኪዲ ንምዝርራብ’ዩ።

ጀነራል ፋሪድ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ተስኪዲ ድሕሪ ምዝርራቡ፣ ብኡ ንብኡ ናብ ሱዳን’ዩ ኣምሪሑ።

ኣብ ካርቱም ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃንን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ጀነራል መሓመድ ዑትማን ኣል ሓሰንን ተመያይጡ።

ግብጽን ሱዳንን፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ወትሃደራውይን ጸጥታን ምትሕግጋዝ ክገብራ ካብ ዝተሰማምዓሉ ኣትሒዘን፣ ጀነራል ፋሪድ ናብ ካርቱም ብተደጋጋሚ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0