“ኣብ ኣስመራ፣ መቓብር ጸጸራት ዝርከብ ኣስከሬናት ኣልዒልኩም ነናብ ዓድኹም ምውሳድ እቲ ዝሓሸ’ዩ።” ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ

Radio Erena: 03 June 2021

ኣብ ኣስመራ፣ ከባቢ ጸጸራት ኣብ ዝርከብ መቓብር፣ ዓሪፉ ዘሎ ሬሳታት፣ ተፋሒሩ ክልዓል መንግስቲ ድሕሪ ዘሕለፎ ትእዛዝ፣ ኣብ ወሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ኣመንቲ ሬሳታቶም ፍሒሮም ናብ ዓድታቶም ክወስዱ ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ተማሕጺና።

እታ ቤተ ክርስትያን፣ “ንምልዓል ኣስኬሬናት ካብ መካነ መቓብር ጸጸራት ኣመልኪቱ ዝወጸአ ካልኣይ መግለጺ” ኢላ ብ16 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፣ መቕበሪ ቦታ ካብ ዝውዳእ ኣስታት 5 ዓመቱ ኣቑጺሩ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስከሬናት እተላዕለን ውሑዳት ጎዳጉዲ ተሪፈን ምህላወን ኣተሓሳሲባ።

“ቀዳማይን ዝሓሸን ኣማራጺ ኣስከሬናት ኣልዒልካ ነናብ ዓድኻ ምውሳድ’ዩ” ዝበለት እታ ቤተ ክርስትያን፣ ኣስከሬናት ኣልዒልካ ናብቲ ክስራሕ ዝሕሰብ ዘሎ ስፍራ (ሳጹናት) ምቅማጥ ድማ ከም ካልኣይ ኣስፊራቶ።

“እቲ ዝሓሸ ኣስከሬናት ነናብ ዓድኻ ምውሳድ ብምዃኑ፣ ዝምልከተኩም ስድራቤታት ኣልዒልኩም ነናብ ዓድኹም ውሰዱ” ክትብል ድማ መኺራ።

ክሳብ 2006 ዓመተ ምህረት ኣብ ዝነበረ ግዝያት ኣብ መካነ መቓብር ጸጸራት እተቐብሩ ሰባት፣ ኣስከሬኖም ክልዓለ ምዃኑ’ውን እታ ቤተ ክርስትያን ኣስሚራትሉ።

ኣብ ኣስመራ፣ ከባቢ ጸጸራት ኣብ ዝርከብ መቓብር ካቶሊካዊትን ወንጌላዊትን ኣብያተ ክርስትያን፣ ዓሪፉ ዘሎ ሬሳታት፣ ተፋሒሩ ክልዓል መንግስቲ ትእዛዝ ምምሕልላፉ ኣቐዲሙ ብራድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ካብ መካነ መቓብር ጸጸራት ንዝፈሓር ሬሳታት፣ መጽንሒ ዝኸውን ቦታ ክወሃባ ብዝሓተተቶ መሰረት ክፍቀደላ እንከሎ፣ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ድማ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ክልተ ኣማራጺታት ተናዲ ኣላ።

ስድራቤታት፣ ነቲ ብግቡእን ስነ-ስርዓተን ዝተቐብረ ሬሳታት ፊሒሮም ናበይ ከምዝወስድዎ ምውሳን ስኢኖም ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ዒላማ ምፍንቓል ናይቲ ኣብ መካነ መቓብር ጸጸራት ዓሪፉ ዝርከብ ሬሳታታ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ጎኒ’ዚ መቓብራት ንዝርከብ፣ መሊኡ ከምዘሎ ዝግለጽ መቓብር ሓበኛታት፣ ተወሳኺ መሬት ንምርካብ ክኸውን ከምዝኽእል እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ግምታቶም ሂቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝዘርግሓቶ መግለጺ እንሆ፣-

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0