ግብጺ፣ ኣብ እዋን ጾመ ሮሞዳን፣ ትሽዓተ ሰባት ብማሕነቕቲ ቀጺዓ

Radio Erena: 28 April 2021

ኣብ ግብጺ፣ ኣብ እዋን ጾመ-ሮሞዳን፣ ትሽዓተ ሰባት ብሞት ከምዝተቐዑ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ገሊጹ።

እቶም ብሰኑይ 26 ሚያዝያ፣ ኣብ ዞባ ናይል ዴልታ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዋዲ ናትሩን፣ ብማሕነቲ ዝተቐትሉ እሱራት፣ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ሙርሲ ብዕልዋ ኣብ ዝተኣልየሉ እዋን፣ ኣብ 2013 ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፖሊስ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ተኸሲሶም፣ ብቕትለት ገበነኛታት ኮይኖም ከምዝተረኽቡ’ዩ መንግስቲ ግብጺ ዝጠቕሱ።

ቤት ፍርዲ ግብጺ፣ ብተመሳሳሊ ገበን ዝተኸሰሱ 188 እሱራት፣ ኣብ 2014 ናይ ሞት ፍርዲ ክህቦም እንከሎ፣ ድሕሪ ኣብ ዝተገብረ ናይ ይግባይ መስርሕ እቶም 20 ተቐቲሎም።

ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን፣ ብብዝሒ ንሞት ዝፈርዳ ሃገራት ዝኾነት ግብጺ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 107 ሰባት ብሞት ከምዝቐጽዐ ጸብጻብ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕስ።

=====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0