ኤርትራ፣ እትርከበን 4 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ክታበት ኮቪድ ብሓገዝ ንኽባጻሕ ኣብ ዝተሰርዐ ተበግሶ ክጽንበራ ዛሕልታት ኣርእየን ተባሂሉ

Radio Erena: 30 March 2021

ኤርትራ እትርከበን፣ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ክታበት ኮቪድ ብሓገዝ ውድብ ጥዕና ዓለም ንኽባጻሕ ኣብ ዝተሰርዐ መደብ ክንጽበራ ዛሕልታት ከምዘርኣያ ተገሊጹ።

መርበባት ዜና፣ ንዳይረክተር ክታበት ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኣብ ዞባ ኣፍሪቃ፣ ዶክተር ሪቻርድ ሚሂጎ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረብኦ ሓበሬታ፣ እቲ ‘ኮቫክስ’ ተባሂሉ ዘሎ፣ ክተባተ ኮቪድ ብሓገዝ ናይ ምብጽጻሕ ተበግሶ ንኸይጽንበራ ዛሕልታት ዘርኣያ ሃገራት፣- ኤርትራ፣ ብሩንዲ፣ ታንዛንያን ማዳጋስካርን’የን።

ታንዛንያን ማዳጋስካርን፣ ኣብቲ መደብ ክጽንበራ ድሌት ከምዘይብለን ዝእንፍት መልእኽቲ ከሕልፋ እንከለዋ፣ ኤርትራን ብሩንዲን ድማ ንጹር መልእኽቲ ከይሃባ፣ ነቲ መደብ የደናግዋ ምህላዋን እቲ ዞባዊ ዳይረክተር ኣፍሊጡ።

ብፍላይ መንግስቲ ታንዛንያንያ፣ ንህላወ እቲ ቫይረስ ይኹን ክታበት ናይቲ ቫይረስ፣ ዝኽሕድ ፖሊሲ ከምዘዋ’ያ ክትንቀፍ ጸኒሓ።

እዘን ንተበግሶ ኮቫክስ ዝሕሰማ ሃገራት፣ ንዜጋታተ ጥራይ ዘይኮነ ንጎረባብቲ ሃገራትን መላእ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ንሓደጋ የቃልዓ ከምዘለዋ ኣሚነን፣ ፖሊሲኤን ክቕይራ ዘለዎ ተስፋ ዝገለጸ ዶክተር ሪቻርድ፣ ኤርትራን ብሩንዲን ግና፣ ናይ ምኽሓድ ዘይኮነ ናይ መስርሕ ምድንጓይ’ዩ ዘለወን ዝብል እምነት ከምዘለዎ ጠቒሱ።

ተበግሶ ኮቫክስ፣ ነተን ክታበት ኮቪድ ክሽምታ ዘይክእላ ድኻታት ሃገራት፣ ምዕሩት ዝርግሐ ክታበት ንምርግጋጽ፣ ብሓገዝ ውድብ ጥዕና ዓለም ክባጽሓለን ዘንቀደ ተበግሶ’ዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ነዚ ንምትግባር፣ ልዕሊ 10 ሚልዮን ክታበታት ኣብ ምእካብ’ዩ ዝርከብ።

እንተኾነ፣ ሓያሎ ሃገራት፣ እቲ መብዛሕቱ ካብ ህንዲ ክሽመት ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ክታበታት ጥርጣረታት ኣሕዲረን ይርከባ።

ብዘይካ’ዚ ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ተበግሶ፣ ቻይናን ሩስያን’ውን፣ ብልቓሕን ሓገዝን ክታበታት ንምልኣኽ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምዝርራብ ይርከባ።

ካብ ሩስያ፣ ስፑትኒክ ዝተባህለ ክታበት ንምምጻእ ኣብ ምዝርራብ እትርከብ ኤርትራ፣ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝጸንሐ፣ ዕጽዋ ብምፍኳስ፣ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክጅምርን ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ክትከፍትን ምዃና ኣሚታ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ክሳብ 26 መጋቢት 2021ኣብ ዝነበረ ዕለት፣ 3208 ሰባት መልከፍቲ ኮረና ቫይረስን ትሽዓተ ሞትን ከምዝመዝገበ’ዩ ኣፍሊጡ።

============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0