ሱዳን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣምባሳደራ ስሒባ

Radio Erena: 17 February 2021

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣምባሳደሩ ከምዝሰሓበ ተገሊጹ።

ኣፍኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ብረቡዕ 17 ለካቲት፣ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መረጋገጺ፣ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣምባሳደር ሃገሩ ናብ ካርቱም ዝተሳሕበ፣ ንምምኽኻር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ንኣምባሳደሩ ዝስሕብ ዘሎ፣ ኢትዮጵያ፣ ዶብ ብምስጋር ኣብ ልዕሊ ሱዳን ተጻብኦታት ትቕጽሎ ከምዘላ ድሕሪ ምኽሳሱ፣ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዶብ ዝተወልዐ ግጭት እናዓረገ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፣ ክልቲኤን ሃገራት ብዘይካ’ቲ ሰራዊት ናብ ዘሰሓሕብ ዶብ ምጉራት፣ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ’የን ዝርከባ።

=========

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0