“80% ህዝቢ ትግራይ ዝነብረሉ ገጠራት፣ ሓገዝ ተሓሪምዎ’ዩ ዘሎ። ” ሕቡራት ሃገራት

Radio Erena: 17 February 2021

ኣስታት 80 ሚእታዊት ህዝቢ ትግራይ ዝነብረሉ ገጠራት፣ ሓገዝ ተሓሪምዎ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ዝነጥፍ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ ክሳብ 12 ለካቲት ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ 53 ሰራሕተኛታት ትካላት ረዲኤት ናብ ትግራይ ክኣትዉ እኳ እንተፈቐደ፣ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነብረሉ ገጠራት ግና ዛጊት ሓገዝ ክበጽሖ ከምዘይክኣለ ኣስሚርሉ።

ኣብ ትግራይ፣ ኣቐዲሙ ኣስታት 950 ሽሕ ህዝቢ ተጻባይ ረዲኤት ምንባሩ ዘመልከተ ጸብጻብ እቲ ትካል፣ ድሕሪ ምውላዕ ኵናት፣ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝተወሰኾ ኣነጺሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ብሰንኪ’ቲ ኵናት ናብ ሱዳን ዝተመዛበሉ ኣስታት 61 ሽሕ ነበርቲ ትግራይ’ውን ከምዘለዉ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ትካል ብተወሳኪ፣ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝውዕል፣ 116.5 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ ብምምልካት ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ግና 65% ወይ ድማ ኣስታት 76.2 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ምዃኑ ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር፣ ህጹጽ ሓገዝ ንዘድልዮ፣ ኣብ ገጠራት ትግራይ ንዝነብር ህዝቢ ሓገዝ ንኸይበጽሕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕንቅፋታት ይቕጽል ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይወቕሱ።

=================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0