ኢትዮጵያ፣ ናይ ብሄር ግጭታትን ጽልኢ ዝጽሕትር ዘመተን ደው ክብል እንተዘይክኢሉ፣ ዝበኣሰ ሓደጋ ከጋጥም ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ

Radio Erena: 08 February 2021

 

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዝጎሃሃር ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታትን ኣብ ብሄር ዘተኮረ ናይ ጽልኢ ዘመተን ደው ክብል እንተዘይክኢሉ፣ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነት ክፈጥር ከምዝኽእል ኣብ ምክልኻል ዓሌት ምጽናት ዝነጥፍ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብ ብሄር ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሃይማኖት ዘተኮረ ምትፍናን ህዝብታት ኢትዮጵያ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ’ዩ ኣስሚርሉ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ምርጫ፣ ናዕቢ፣ ግጭታትን ምትፍናንን ብሄራት እታ ሃገር ከዛይድ ከምዝኽእል ግምት ብዙሓት’ዩ።

ኣብዛ ብናይ ብሄር ግጭታት እትሕመስ ዘላ ሃገር፣ ኣብ ክልል ትግራይ’ውን ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣሕሊፉ ዘሎ ደማዊ ኵናት፣ ዓመታት ናብ ዝወስድ ካልእ መልክዕ ውግእ እናተሰጋገረ ይመጽእ ስለዘሎ፣ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝቕጽል ዓመታት ብውግእን ወረ ውግእን ፣ ምምዝባል ሰባትን ጥሜትን እትልለ ሃገር ኮይና ከይትቕጽል ስክፍታ ብዙሓት’ዩ።

ኢትይጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሸውዓተ ካብተን ትሽዓተ ክልላት ማለት ኣብ ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሞ፣ ቤን ሻንጉል ጉምዝ፣ ደቡብ፣ ዓፈርን ሶማልን ተደጋጋሚ ናይ ብሄር ግጭታት ይቕጽል ኣሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0