Radio Erena: 04 December 2020
ኤርትራ፣ ኣብ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብሰሜን፣ ድጋፍ ሂባን ካብ መሬታ ተበጊሱ መጥቃዕቲ ከካይድ ሓጊዛን ጥራይ ዘይኮነ፣ ሰራዊታ’ውን ኣብቲ ኵናት ይሳተፍ ከምዘሎ ተደጋግሚ ዝግለጽ ዘሎ’ዩ።
መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ተሳትፎ ኤርትራን፣ ብመንገዲ ማዕከናት ዜንኡ ንህዝቢ ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ሓሪምዎ እኳ እንተሎ፣ ሰራዊት ናብ ዶባት ይጓርት ምህላዉ ግና ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ ኣይኮነን።
ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እቲ መንግስቲ፣ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ተፋንዮም ናብርኦም ክመርሑ ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት የዕጥቅን፣ ከባቢኦም ክሕሉዉን’ውን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ’ዩ።
ኣብ ኵናት ትግራይ ዝተወግኡ ኣማኢት ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሆስፒታላት ኤርትራ ዘዕቖበ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ህዝቢ ደም ክልግስ ጽዑቕ ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ይርከብ።
እቲ ዝልገሰ ደም፣ ብመጥባሕቲ ንዝሓርሳ ኣዴታትን ካልእ ህጹጽ ሓደጋታትን ከምዝውዕል’ዩ ዝጉስጎሰሉ ዘሎ።
እንተኾነ፣ እቲ ዝልገስ ደም፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ንዝቆስሉ ዘለዉ ወትሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክውዕል ምዃኑ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምጭታት ይጠቕሱ።
ኣብ ሆስፒታላት ኤርትራ ክእለዩ ዝጸንሑ ኣማኢት ውጉኣት ወትሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ባንኪ ደም ተኸዚኑ ዝጸንሐ ከምዝተዋህቦም’ዩ ተመልኪቱ።
ዛጊት ኣብ ሓያሎ ሚኒስትሪታትን ክፍልታት ምክልኻልን ዝተገብረ ጎስጓሳት ኣማኢት ሰባት ደም ለጊሶም ኣለዉ።
ካልእ ኣካል ሕብረተሰብ’ውን ደም ምልጋስ ክቕጽሎ እቲ ጎስጓስ ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ።
ስእሊ፣- ፌስቡክ ኤምባሲ ኣመሪካ
===============