ሰለስተ ንቑጣታት ዶብ ሱዳን-ኢትዮጵያ ንንግዲ ክፉት ኮይኑ

Radio Erena: 18 October 2020

ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንንግዲ ከምዝተኸፍተ፣ ካብ ዞባ ብሉ ናይል ተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
ራድዮ ዳባንጋ ብወገና ኣብ ዘመሓላለፈቶ ዜና፣ ሰለስተ ንቑጣታት ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ብዓርቢ 16 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኸፍተሉ፣ ሰበስልጣን ሱዳንን ኢትዮጵያን ተረኺቦም ከምዝነበሩ ኣፍሊጣ።
ዳግማይ ምኽፋት’ዚ ሰለስተ ንቑጣታት ዶብ፣ ከም ሽኮር፣ ዘይቲ፣ ቡንን ካልእ ሃለኽቲ ነገራትን ኣብ ዝግበር ንግዳዊ ልውውጥ፣ ኣብ ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ዓቢ ጽልዋ ከምዝህልዎ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።
2.5 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ሰደድ ሱዳን በዚ መስመራት’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝውሕዝ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።
ብመሰረት እቲ ዝወጸ ሓበሬታ፣ ኣብዘን ዶባት ዝግበር ንግዳዊ ምልውዋጥ፣ ካብ ቀረጽ ናጻ እኳ እንተኾነ፣ ጸጥታን ውሕስነትን ንምኽባር ግና ከቢድ ሓለዋ ክግበረሉ እዩ።
ዳይረክተር ሓለዋ ዶባት ሱዳን ኣቡልጋስም ዓብደላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምትሕብባር ጉዳይ ዶብ ገዳርፍ ኣብ ዝሓጸረ እዋን መፍትሒ ክርከበሉን ክኽፈትን ምዃኑ ሓቢሩ።
ከምዝፍለጥ ብመጋሃጫ ጥሪት ዝተላዕለ፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ተደጋጋሚ ግጭታት ተኻዪዱ እዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0