Radio Erena: 04 October 2020
ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ወገናትን፣ ስምምዕ ሰላም ተኸቲሙ።
ኣብቲ ትማሊ ቀዳም 3 ጥቂምቲ 2020፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ፣ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፣ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልኦት ዕዱማት ሰበ ስልጣንን ተረኺቦም።
ገለ ካብቶም ዝተረኽቡ ዕዱማት፣ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፣ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ፣ ወይዘሮ ሳህለ-ወርቂ ዘውደ፣ ፕረዚደንት ቻድ፣ እድሪስ ደቢ፣ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ፣ ሙስጠፋ ማድቡለይ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር፣ መሓመድ ቢን ዓብደልራሕማን ኣልታኒ፣ ሚኒስተራት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦትን ‘ዮም።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብን ጎረቤት ሱዳን ዝኾነትን፣ ኤርትራ፣ ኣብዚ ስምምዕ ናይ ምኽታም ኣጋጣሚ ኣይተረኽበን።
ኤርትራ፣ ኣብዚ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳንን ሓያሎ ተቓወምቲ ወገናትን ዝኸተምዎ ኣገዳሲ ስምምዕ፣ ዘይተሳተፈትሉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።
ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ኣብዚ ኣብ ጁባ ዝተኸየደ ምኽታም ስምምዕ ሰላም ሱዳን ድሕሪ ምስታፉ፣ ሎሚ 4 ጥቅምቲ ናብ ኣስመራ ኣትዩ ኣሎ።
==============