ኣስታት 360 ኤርትራውያን ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓልሉ መበል 7ይ ዓመቱ ይዝከር

Radio Erena: 03 October 2020

ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፣ ንመበል ሻውዓይ ዓመት ናይቲ ህጻናት፣ ነፍሰጾራትን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኣስታት360 ኤርትራውያን ዘህለቐ ሓደጋ ባሕሪ ላምፔዱሳ ይዝክር ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ስድራቤታት ግዳያት እቲ ሓደጋ፣ ነዞም ገና ሬስኦም ኣብ ጋህስታት ኢጣልያ ተደፊኑ ዘሎ ንቡር ቀብሪ ዘይረኸቡ መቕርቦም፣ ዓመት መጸ ብጸሎተ ፍትሓትን ዱዓን’ዮም ዝዝክሩ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ድማ፣ ኣውራ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ስለዝኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከይመጸ ስደትን ሳዕቤናቱን ደው ክብል ከምዘይክእል ብምትሕስሳብ፣ ነቶም ካብ ምልኪን ሕሱም ኩነታትን ናብራን ነብሶም ከድሕኑ ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ዘጋጠሞም ወገናት ብሓዘን ዘኪሮም።

ድሕሪ’ቲ መላእ ዓለም ዘሕዘነ ናይ 3 ጥቅምቲ 2013 ሓደጋ ላምፔዱሳ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሸውዓተ ዓመታት፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብውሕዱ ኣስታት 8 ሽሕ ስደተኛታት ሓያሎ ሃገራት ከምዝጠሓሉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብ ጥቅምቲ 2013 ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓሉ ኣስታት 360 ኤርትራውያን፣ ሬስኦም መንግስቲ ኤርትራ ብእኩብ ክርከቦም ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፣ ገሊኦም ኣብ ሲሲልያ ክቕበሩ እንከለዉ ናይ ገሊኦም ከኣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ጋህሲ ተደፊኑ ይርከብ።

ነዞም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ ነፍሰጾራት፣ ህጻናት፣ ቆልዑ፣ ኣዴታትን መንእሰያትን ዝርከብዎም ኣስታት 360 ኤርትራውያን፣ ኢጣልያ እትርከበን ሃገራት ናይ ሓዘን መዓልቲ ክእውጃሎምን ዝኽሪ ክገብራሎምን እንከለዋ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ኣይኮነን ዶ ዝኽሪ ክገብረሎምን ናይ ሓዘን መዓልቲ ክእውጀሎምን፣ ኣብ ፈለማ ከም ዜጋታት ኤርትራ’ውን ክቕበሎም ፍቓደኛ ኣይነበረን።

ኣብ ካልእ ኣጋጥሚ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ “ኣብ ሊብያ ኤርትራውያን ሞይቶም ንሰምዕ ኢና፣ እንታይ ክገብሩ’ዮም ናብኡ ከይዶም” ክብል፣ ነቲ ንኤርትራውያን ስድራቤታት ኣግሁዩ ዘሎ ከቢድ ሓዘን፣ ብኣሽካዕላልን ላግጺን ክምልሰሉ’ዩ ተሰሚዑ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0