ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል እተካይዶ ዘላ ናይ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ኣብ ኬንያ’ውን ክትቅጽሎ ፍቓድ ምሕታታ ተገሊጹ

Radio Erena: 17 September 2020

droneኣመሪካ፣ ኣልሸባብ ንምህዳን ኣብ ሶማል እተካይዶ ዘላ ናይ ሰብ ኣልቦ በረርቲ ወይ ድሮን መጥቓዕቲ ኣብ ኬንያ’ውን ንክትቅጽሎ ፍቓድ ትሓትት ከምዘላ ኒውዮርክ ታይምስ ኣፍሊጡ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ንኣርባዕተ ሰበ ስልጣን ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ እቲ ብእዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዝቐረበ መደብ ናይ ጸሓፊ ምክልኻል ማርክ ቲ ኤስፐርን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ደገፍ ጥራይ ይጽበ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ኣመሪካ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፣ ኣልሸባብ ንምህዳን፣ ኣብ ሶማል፣ ልዕሊ 10 ግዜ ናይ ነፍርቲን ሰበ ኣልቦ በረርቲ ወይ ድሮንን መጥቓዕታት ኣካይዳ ኣላ።

ኣልሸባብ ብወገን እቲ ምስ ሶማል ዘዳውብ ከባቢታት ኬንያ’ውን መጥቃዕቲ ይፍኑ ብምህላዉ፣ ኣመሪካ፣ ክሳብ መሬት ኬንያ ብምእታው መጥቃዕታታ ንምቕጻል’ያ ትሓትት ዘላ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ነዚ ኣብ ውሽጢ ሉኣላዊ ግዝኣቱ ዝካየድ ናይ ኣመሪካ መጥቓዕቲ ደገፉ ክህብ ድዩ ክቃወም ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ኣመሪካ ኣብ ሶማል እተካዶ ዘላ ደብዳብ ነፈርቲን ሰብ ኣልቦ በረርትን ካብ ወሽመጥ ዓደን፣ ጂቡቲን ኢትዮጵያን እናተበገሰት ምዃና ዝተፈላለዩ ወትሃደራውያን ምንጭታት የመልክቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0