ባንክታት ኤርትራ፣ ጽኑቕ ምቁጽጻር ክገብራ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ

ባንክታት ኤርትራ፣ ካብ 10 ሽሕ ናቕፋ ንዘውጽእ ሰብ ጽኑቕ ምቁጽጻር ክገብራ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።
እቲ ብወግዒ ዘይኮነ ብውሽጢ ውሽጢ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ፣ ካብ ንግዳዊ ባንክ ይኹን ባንክ ኣባይቲ ልዕሊ 10 ሽሕ ናቕፋ ዘውጽእ ሰብ፣ ኣቐዲሙ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ፎርም ክመልእን ነቲ ገንዘብ ድማ ንጽባሒቱ ተመሊሱ ከውጽኦን ዝእዝዝ’ዩ።
ኣብቲ ዝምላእ ቕትዒ ወይ ፎርም ድማ፣ ነቲ ልዕሊ 10 ሽሕ ናቕፋ ካብ ባንክ እተውጽኣሉ ምኽንያት ብንጹር ክትሕብር ዘገድድ’ዩ።
ጠንቒ’ዚ ብጽኑዕ ክስርሓሉ ተኣዊጁ ዘሎ ትእዛዝ፣ ኣብ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ቤተሰብ ዝልእክዎ ገንዘብ ብሕእዋላ ብምዃኑ፣ ኣብ ዱባይን ካልእ ሃገራትን ዝርከቡ ኤርራውያን ነጋዱ ድማ ካብቲ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ዝርከብ ሕሳቦም ናቕፋ እናውጽኡ ነቲ ገንዝብ ብምሕዋል፣ ንሳቶም ድማ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝርኽብዎ ዶላር ናብ ንግዲ የውዕልዎ ኣለዉ ካብ ዝብል ስግኣት ምዃኑ’ዩ ዝንገር።

ከም ዝፍለጥ ኣብ ባንክታትን ትካል ሸርፊ ሂምቦልን ንሓደ ሚእቲ ዶላር 1500 ጥራይ ክሽረፍ እንከሎ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ይኹን ካብ ወጻኢ ዝሕወል ዶላር ግና ንሓደ ሚእቲ ክሳብ ብ4 ሽሕ ናቕፋ ‘ዩ ዝሽረፍ ዘሎ።

ባንክ ኤርትራ ርኡይ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣጋጢምዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኣብ ባንክታት ተጠራቒሙ ዝጸንሐ ናቕፋ’ውን፣ ህዝቢ ነቲ ኣጠራቒምዎ ዝጸንሀ ገንዘብ እናውጽአ ኣብ ካልእ መዓላ የውዕሎ ምስ ምህላዉ ኣብ ባንክ ዝተጠራቐመ ገንዘብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይውሕድ ከምዘሎ’ውን ይግለጽ።

ጠንቂ ናይዚ ድማ ባጤራ ናቕፋ ናይ ልዕሊ 200 ሚእቲ ካብ ሚእቲ ዝቕባበ ኣጋጢምዎ ምስ ምህላዉ፣ ክብሪ እቲ ገንዘብ ካብ ግዜ ይወድቕ ስለዘሎ ምዃኑ ይትንተን።

ዓሚ 100 ሽሕ ናቕፋ ኣብ ባንክ ዘጠራቐመ ዜጋ፣ ኣውጽኡ ክግልገለሉ እንተዘይክኢሉ፣ ኣብ ውስጢ ሓደ ዓመት መጠን ናይ ምዕዳግ ሓይሉ  ብፍርቂ ክጎድል ይኽእል’ዩ።

እዚ ድማ ብሰንኪ እዚ ዘሎ ዝቕባበን ንሱ ዝፈጠሮ ናህሪ ዋጋታት ነገራትን፣ ብምዃኑ ነዚ ዝተገንዘቡ ዜጋታት ገንዘቦም ናብ ንብረት ከሰጋግርዎ ከምዝርኣዩን፣ ነጋዶ ዶላርን ኢውሮን ንምርካብ ፣ ነቲ ካብ ወጻኢ ብሓዋላ ዝልኣኽ ገንዘብ፣ ብናቕፋ ካብ ባንክታቶም እናውጽኡ የሽርፍዎ ስለዘለዉ’ዩ  ባንክታት ኤርትራ ካብ 10 ስሕ ናቕፋ ንላዕሊ ንዘውጽእ ሰብ ምቁጽጻር ክገብራ ዝእዘዛ ዘለዋ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0