ምብራቕ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ናይ ቀቢላ ዘይኮነ ፖለቲከኛታት ዘጎሃሃርዎ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 24 August 2020

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝጎሃሃር ዘሎ ግጭታት፣ ቀቢላዊ ዘይኮነ ፖለቲከኛታት ዘጎሃሃርዎን ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎን ምዃኑ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ካብ ብሄር ቤጃ ዝኾኑ ተወላዶ ከባቢ ከሰላ፣ ብ20 ነሓሰ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ’ዩ።

እቶም ሰለፈኛታት፣ ኣብቲ ኣብ ጎደናታት ከሰላ ኮፍ ብምብል ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ መንግስቲ ሱዳን፣ ወትሃደራዊ ምምሕዳር ክቕየር’ውን ዝጠልብ’ዩ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓዲ ቀቢላ ሃንደንደዋ ዝኾነ ሰይድ ቲሪክ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ኣብ ከሰላ ዘሎ ግጭታት ፖለቲካዊ ደኣ’ምበር ቀቢላዊ ከምዘይኮነ ብምዝኽካር፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ምስቲ ሓይልታት ሓርነትን ለውጢን ዝተሰምየ ወትሃደራዊ ጉጅለ ብምዝርራብ፣ ብዛዕባ ምሻም ሲቪላዊ ኣምሓዳሪ ከሰላ ይዘራረብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ቤጃ፣ ራሻይዳን ኑባን ጸጸኒሑ ግጭታት ይነቱግ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ዞባ ከሰላ፣ ኣብ መንጎ ቶም ካብ ብሄር ቤጃ ዝኾኑ ቀቢላታት ሃደንዳዋን ቤን ዓሚር ዝተጎሃሃረ ግጭታት ሰላማዊ መዕለቢ ከምዘይተረኽቦ ይግለጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0