ዓሚ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ላምፔዱሳ ዝደሓኑ ኤርትራውያን ምስ ጳጳስ ፍራንሲስ ክራኸቡ’ዮም

ዓሚ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ላምፔዱሳ ዝደሓኑ ኤርትራውያን ምስ ጳጳስ ፍራንሲስ ክራኸቡ’ዮም

Radio Erena: 02 October, 2014

Pope to me Lam Sur

ዓሚ ኣብ ላምፔዱሳ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝደሓኑ ኣስታት 50 ስደተኛታት፣ ነታ ዕለት ንምዝካር ኣብ ዘዳልውዎ ፍሉይ መደብ ምስ ጳጳስ ካቶኢካዊት ቤት ከርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስ ክራኸቡ ምዃኖም ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ቲቪ 200ኦ ዝተባህለት መደበር ቴሌቪዥን ኢጣልያ’ውን እቶም ካብ ናይ ዓሚ ሓደጋ ዝደሓኑ ኤርትራውያን ምስ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ቫቲካን ክራኸቡ መደብ ተሰሪዑ ምህላዉ ኣፍሊጣ።

 

ኣወሃሃዲ ናይቲ መደብ ታረቐ ብርሃነ ንኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቶም ካብቲ ዘሕዝን ሕእደጋ ላምፔዱሳ ዝደሓኑ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ኣብ ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ ይነብሩ እኳ እንተለዉ፣ ነዛ ዕለት ንምዝካር ናብ ላምፔዱሳ ክመጹ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

3 ጥቕምቲ ኣስታት 360 ኤርትራውያን ዘህለቐ ናይ ላምፔዱሳ ሓደጋ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ግዳያት ባሕሪ ክትከውን’ውን ይድፍኣሉ ምህላዉ ተገሊጹ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0