ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል፣ ስደተኛታት ናብ ሖሎት ክቐርቡ ዘገድድ ትእዛዝ ኣደስኪልዎ

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል፣ ስደተኛታት ናብ ሖሎት ክቐርቡ ዘገድድ ትእዛዝ ኣደስኪልዎ

Radio Erena: 01 October, 2014

Holot

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ክቐርቡ ዘገድድ ትእዛዝ ከምዘደስከሎ ማዕከን ዜና ሃረጽ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስትሪ ብሰኑይ 29 መስከረም ነዚ መግለጺ ዘውጽአ፣ ንትእዛዝ ላዕለዋይ ቤት ፍድሪ እስራኤል ብምጥቅስ ስደተኛታት ናብ ቤት ማእሰርቱ ሖሎት ክቐርቡ የገድድ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ብማዕከናት ዜና ድሕሪ ምቅልሑ’ዩ።

 

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ክልተ ሽሕ ስደተኛታት ተታሒዞምሉ ዘለዉ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ውስጢ 3 ኣዋርሕ ክዕጾ ከምዝኣዘዘ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ ሓያሎ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ኣባላት ፓርላማን እታ ሃገር፣ ንውሳኔ እቲ ቤት ፍርዲ ይቃወምዎ ኣለዉ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0