ኤርትራውያን ካብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ የምልጡ

Radio Erena: 28 June 2020

ኣብ ሊብያ፣ ካብ መዳጎኒ መዓስከራት ናይ ዘምልጡ ዘለዉ ስደተኛታት ቁጽሪ እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ኣካል ውድብ ሕቡራት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ’ቲ ውድብ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ጥራይ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተገልጹ ከባቢ 200 ስደተኛታት ኣምሊጦም ኣለዉ።

ካብቲ ኣብ ዛውያ፣ ሰሜናዊ ምዕራብ ሊብያ ዝርከብ መዳጎኒ መዓስከር ኣምሊጦም ናብ ከተማ ትሪፖሊ ዝኣተዉ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ኣብቲ መዓስከር ኣብ ርእሲ’ቲ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝካየደሉ፣ ብተላባዒ ሕማም ኮሮና ዝተለኽፉ እውን ሓያሎ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ሓደ ካብቶም ዘምለጡ ኤርትራዊ ንተጸዋዒ ስደተኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ካብቲ መዓልታዊ መግረፍትን ስቓይን ዘይተፈልዮም መዓስከር ቅድሚ ሓያሎ መዓልታት ክሃድሙ እንከለዉ፣ ሓለውቲ ናይቲ መዓስከር ከምዘይተኸታተልዎም ገሊጹ።

መዳጎኒ መዓስከር ኣልዛውያ፣ ናይ መግብን ዝስተ ማይን ዋሕዲ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ምስዚ ለበዳ ኮሮኖ ቫይረስ ተታሓሒዙ ግና፣ እቲ ጸገም ኣዝዩ ገዲዱ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

250 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ሓደ ገዛ ተኣሲሮም ከምዝነበሩ ዝገለጹ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዘምለጡ ኤርትራውያን ብወገኖም፣ ሕጂ’ውን ኣብ ከተማ ትሪፖሊ በብዓሰርተ ሰብ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ተኻርዮም ይነብሩ ከምዘለዉ እዮም ገሊጾም።

ሓያሎ ካብቶም ካብ መዳጎኒ መዓስከር ዘምለጡ ስደተኛታት፣ ነብሶም ናጻ ብምውጽኦም ሕጉሳት እኳ እንተኾኑ፣ ብሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ተታሒዞም ዳግማይ ናብቲ መዓስከር ከይምለሱ ግና ስግኣት ከምዘለዎም ገሊጾም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0