ካብ 15 ሰነ ክሳብ 3 ሓምለ ዝካየድ፣ መበል 44 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክዝቲ’ዩ

Radio Erena: 09 June 2020

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እናተኸታተለ ጸብጻብ ከቕርብ ዝመዘዞ ፍሉይ ኣካል ወይ special rapporteur ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ዕማሙ ከናውሕ ትጽቢት ኣሎ።

እቲ ባይቶ ነቲ ዕማም ከናውሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ፣ ነዚ ናይ ኤርትራ ኩነታት እናተኸታተለት መጽናዕቲ ከተዳሉ ዝጸንሐት special rapporteur ዳኒኤል ክራፍትዝ፣ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻባ ብጽሑፍ ድሕሪ ምቕራባ’ዩ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ መበል 44 ስሩዕ ኣኼብኡ፣ ንጉዳያት ኤርትራን ካልኦት ብተመሳሳሊ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጽማ ሃገራትን ብምትኳር ካብ 15 ሰነ ክሳብ ክሳብ 3 ሓምለ፣ ኣብ ጄኔቫ ክካየድ’ዩ።

ኣብቲ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ብspecial rapporteur ዳኒኤል ክራፍትዝ ዝቐረበ 19 ገጻት ዘለዎ ናይ ጽሑፍ ጸብጻብ፣ ኤርትራ፣ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘየርኣየትን፣ ንተጣበቕት ይኹን መጽናዕቲ ዘካይዱ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ ከይኣትዉ ከልኪላ ከምእትርከብን ኣዘኻኺሩ።

ኤርትራ፣ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ግኑን ስም ካብ ዘለወን ሃገራት ዓለም’ያ።

ኣብዛ ሃገር፣ ምስ እምነትን ሃይማኖትን፣ ሓሳብካ ምግላጽን ካልእ መሰረታዊ መሰላትን ተተሓሒዙ ኣሽሓት ዜጋታት ኣብ ማእሰርቲ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ብspecial rapporteur ዳኒኤል ክራፍትዝ ዝቐረበ ምሉእ ጸብጻብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ።

UN-Special-Rapporteurs-Report-2020

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0