ኢዱቴክ ዝተባህለ ኩባንያ ብሪጣንያ፣ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ንዝመወሎ ፕሮጀክት ከምዘታለለ ተገሊጹ

ኢዱቴክ ዝተባህለ ኩባንያ ብሪጣንያ፣ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ንዝመወሎ ፕሮጀክት ከምዘታለለ ተገሊጹ

Radio Erena: 12 September, 2014

Afdb

ኣብ ኤርትራ ናይ ትምህርቲ ናውቲ ከዳሉ ምስ ባንክ ልምዓት ባንክ ኣፍሪቃ ውዕል ዝኸተመ ‘ኢዱቴክ’ ዝተባህለ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ብልሽውና ፈጺሙ ክብል እቲ ባንክ ገሊጹ።

እቲ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ 6.8ሚልዮን ዶላር ናይ ትምህርቲ ንዋት ከዳሉ ኣብ 2012ምስ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ዝኣተዎ ውዕል’ዩ ብልሽውና ከምዝፈጸመ ዝግለጽ ዘሎ።

 

ኣብ ኮትዲቫ፣ ከተማ ኣቢጃን ዝማእከል ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ንእትርከባን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ልምዓት ዘተኮር ናይ ምውላን ልቃሕን ፕሮጀክታት ከምዘለዎ ዝፍልጥ’ዩ።

ምስቲ ኣብ ኤርትራ ኣታሊሉ ዝበሎ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ድማ ድሕሪ ደጊም ዝኾነ ዓይነት ውዕል ከምዘይኣቱ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኤርትራ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት፣ ባንክ ዓለም፣ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ካልኦትን ዝተመወለ ሓያሎ ፕሮጀክታት ዝካየድ እኳ እንተኮነ፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ሓበሬታ’ውን ኣይወሃበሉን’ዩ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0