መራሒ ናይታ “ዕጽውቲ” እትብሃል ሰሜን ኮርያ ብጽኑዕ ምሕማሙ ተሰሚዑ

Radio Erena: 21 April 2020

መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ ኪም ጆን ኡን፣ ብሕማም ልቢ፣ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ከምዘሎ፣ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ደቡብ ኮርያ ኣቃሎዐን።

እተን ማዕከናት ዜና ነዚ ሓበሬታ ዘጋውሓ፣ እቲ መራሒ፣ ኣብ ሃገራዊ ጽምብል ካብ ምስታፍ ድሕሪ ምብኳሩ’የን።

ንሱ፣ ብጽኑዕ ሓሚሙ ክኸውን ከምዝኽእል ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ መን ክትክኦ’ዩ ዝብል ኣርእስቲ ኣካታዒ ኮይኑ ይርከብ።

እንተኾነ ሰበ ስልጣን ቻይናን ደቡብ ኮርያን፣ ብዛዕባ’ዚ ብማዕከናት ዜና ዝቐረብ ዘሎ ሓበሬታ ጥርጣረታቶም ይገልጹ።

ወዲ 36 ዓመት ኪም ጆንግ ኡን፣ ኣብ 2011 ብሞት ካብ ዝተፈልየ ኣቡኡ ኪም ጆን ኢል’ዩ ስልጣን ተረኪቡ።

ኣቡኡ፣ ኪም ጆንግ ኢል’ውን፣ ድሕሪ ሞት ኣብኡ ኪም ጆን ሱንግ ኣብ 1994 ናብ ስልጣን ከምዝደየበ ይዝከር።

ኪም ጆንግ ሱንግ፣ ሰሜን ኮርያ ብወግዒ ከም ሃገራት ካብ ዝቖመትሉ ኣብ 1948 ክሳብ 1994፣ ን46 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ መሪሑዋ።

ሰሜን ኮርያ ከም ሃገር ካብ ዝቖመትሉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፣ ን72 ዓመታት ኣቦ ወዲን ወዲ ወዱን ስልጣን እናተቐባበሉ’ዮም ዝመርሑዋ ዘለዉ።

ን9 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ወዲ 36 ዓመት ኪም ጆን ኡን፣ ከምዚ ብማዕከናት ዜና ዝቃላሕ ዘሎ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም እንተገጢምዎ፣ መን ክትክኦ ምዃኑ ህዝቢ እታ ሃገር ዝኾነ ኣፍልጦ የብሉን።

ሰሜን ኮርያ፣ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዋ ሃገራት፣ “ዕጽውቲ” እናተባህለት እትግለጽ ንጽልቲ ሃገር’ያ።

ኣብ ፖለቲካዊ ኣካይድኣ፣ ምስዛ ኣብ ርሑቕ ኤስያ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ምምስሳል ዘለዋ ኤርትራ፣ ” ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” እናተብሃለት ከምእትግለጽ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0