ሚኒስተር ፍትሒ ሶማል፣ ብሕማም ኮረና ቫይረስ ሞይቱ

Radio Erena: 14 April 2020

ሚኒስተር ዴ’ታ፣ ሚኒስትሪ ፍትሒ ሶማል ከሊፍ ሙእሚን፣ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ሞይቱ።

እቲ ሚኒስተር ፍትሒ ናይ ዞባ ሆርሼቤል ዝኾነ በዓል ስልጣን፣ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፈ ድሕሪ ምርግጋጹ፣ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ፣ ብ12 ሚያዝያ ኣብ ሆስፒታል ከምዝሞተ ፕረዚደንት ናይቲ ዞባ ዓሊ ጉድላው ሑሰን ንማዕከናት ዜና ኣረጋጊጹ።

እቲ ናይ ብሪጣንያን ዜግነት ከምዘለዉ ዝተገልጸ ሚኒስተር ዴታ ሶማል፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ናብታ ሃገር ገይሹ ስለዝነበረ፣ ኣብኡ ተለኺፉ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብ ሶማል ብሰንኪ ኮረቫ ቫይረስ ዝሞተ ካልኣይ ሰብ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን፣ ኣብ ለንደን ዝምቕማጡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ነበር ኑር ሓሰን ሑሰን፣ ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድሚኡ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ከምዝሞተ ይፍለጥ።

ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝርከብዎም ልዕሊ 25 ሰባት ብኮረና ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ዘረጋገጸ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጁ ኣሎ።

እቲ ካብ ጽባሕ 15 ሚያዝያ ኣትሒዙ ግብራዊ ዝኸውን ኣዋጅ እቶ እቶ፣ ካብ ሰዓት 8 ናይ ምሸት ክሳብ ሰዓት 5 ወጋሕታ’ዩ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበዝሑ ብኮረና ቫይረስ ዝተለኽሱ ሰባት ዝመዝገበት ሃገር ጂቡቲ ኮይና ኣስታት 145 በጺሖም ኣለዉ።

ኣብዚ ዞባ፣ በቲ ቫይረስ፣ ነፍሲ ወከፈን ሞት ክልተ ሰባት ዝመዝገባ ሃገራት ድማ ኢትዮጵያን ሶማልን’የን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0