Radio Erena: 07 April 2020
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሁራትን ሰብ ሞያን፣ ኮረና ቫይረስ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ቅልውላቅ ከየኸተለ እንከሎ ንምውጋዱ ኣብ ዝግብር ርብርብ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መንግስቲ ብምዝማድ ማኒፌስቶ ዘርጊሖም።
እቶም 95 ናይ ዶክትረይት ማዕረግ ዘለዎም ምሁራን ሰብ ሞያን፣ ኣብቲ “ማኒፌስቶ 2020” ኢሎም ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ በደል እንዳ ፈጸመ፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት እውን ብዘይእዱብ ፖለቲካዊ ሽርሕታት እንዳ ተቛመረ እንከሎ፡ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ይላባዓሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ከምኡ ድማ ትሕተ ቅርጺ ሕክምናዊ መሰላጥያታት ሃገርና ብደረጃ ዓለም ሓደ ካብ’ቶም ዝደኸሙ መሳለጥያታት ኮይኑ ይርከብ ብምህላዉ መጠን፡ ኤርትራ ናብ ሓደ ዓቢ ሰብኣውን ፖለቲካውን ቅልውላው ተቓሊዓ ትርከብ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
እዚ ኮቪድ-19 ዝበሃል ለበዳ ሕማም፡ ይትረፍ ነታ ብዋሕዲ ዝስተ ማይን ዘይስሩዕ ኣገልግሎት ኤለክትሪክን ዘለዋ ሃገርና ኤርትራ፡ ነተን ብቑጠባን ካልእ መዳያትን ንቕድሚት ኣጸቢቐን ዝሰጎማ ሃገራት እውን ዓቢ ብድሆ ኮይኑወን ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኤርትራ በቲ ንሓደጋታት ኮቪድ-19 ንምጉዳል ተባሂሉ ዝወጸ መምርሒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ክቕየድ፡ ኩሎም ዝተዓጽዉ ማእከላት ሕክምናታትን ንኣሽቱ መደበራት ጥዕናን ክኸፍት፡ ከምኡ ድማ ንኹሎም ናይ ሕልና እሱራትን ቀለልቲ ገበናት ዝፈጸሙ እሱራትን ንክፈትሕ ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ጥዕና ዓለምን ጸቕጥታት ክገብሩሉ ጸዊዖም።
መንግስቲ ኤርትራ ኣቐዲሙ፣ ብካቶሎካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝመሓደር ዝነበረ 10ታት ማእከላት ሕክምና ንገሊኡ ከምዝሃገሮን ንገሊኡ ድማ ከምዝዓጸዎን ይፍለጥ።
እዞም ብዕድመን ብሞያን ከምኡ ድማ ዝነብርሉ ሃገራትን ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ምህዉራት ኣብ ዝዘርግሕዎ ነዊሕን ዝርዝርን ትሕዝቶ ዘለዎ ማኒፌስቶ ብዘይካዚ፣ ኣቶ ኢሰያስ አፍወርቂ ንኤርትራ ከመሓድር ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ መመኽነይታታት ከምዝሰኣነ ብምጥቃስ፣ ካብ ስልጣን ንኸልግስ ድማ ግዚኡ ካብ ዝሓልፍ ብዙሕ ዓመታት ከምዘቑጸረ ኣመልኪቶም።
ኣብ መደምደምታ ድማ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለዉ ኤርትራውያን ህሉውን መጻእን ኩነታት ሃገሮም ብግቡእ ተረዲኦም ክተኣኻኸቡን ነታ ብብዙሕ ጻዕሪ ዝተረኽበት ሃገሮም ንምዕቃብ ክሰርሑን ምርኣይ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ኣስሚረምሉ።
================