ደቡብ ሱዳን፣ ክሳብ 22 ለካቲት መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ጸቕጢ ይግበር

Radio Erena: 13 February 2020

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ 22 ለካቲት መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ኢጋድን ሕቡራት ሃገራትን ጻውዒት ኣቐሪቦም።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ተቓወምቲን ቅድሚ 3 ኣዋርሕ ኣቢሉ፣ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝበጽሕዎ ስምምዕ፣ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ብ100 መዓልታት’ዮም ኣናዊሖሞ።

እዚ ማለት ድማ እቲ ክዋናሕ ዝተሰማምዕሉ ዕለት ኣብ 22 ለካቲት ስለዘብቅዕ፣ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን እንደገና ከይናዋሕ’ዮም ኢጋድን ሕቡራት ሃገራትን ዝጽውዑ ዘለዉ።

ኢጋድ ብ8 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበሮ፣ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዝዘተየ ዋዕላ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ክሳብ 22 ለካቲት መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ምጽውዑ፣ 32 ዞባታት ዘለዋ ደቡብ ሱዳን ናብ 23 ክወርድ’ውን ሓቲቱ’ዩ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ብዝሒ ዞባታት ናብ 23 ክወርድ ብኢጋድ ንዝቐረበ እማመ ክነጽጎ እንከሎ፣ ብዛዕባ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ግና ንጹር ምላሽ ኣይሃበን።

ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ብዛዕባ’ዚ ብኢጋድ ቀሪቡ ዘሎ እማመታት ብዝምልከት፣ ክሳብ 15 ለካቲት ኣብ ዘሎ ግዜ ምላሽ ክህብ ትጽቢት ይግበር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0