ኣመሪካ፣ ኤርትራ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት ተወሳኺ ናይ መገሻ እገዳ ከተተግብር ከምእትኽእል ተቃሊዑ

Radio Erena: 22 January 2020

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት፣ ተወሳኺ ናይ መገሻ እገዳ ከተግብር ከምዝኽእል ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ዎል ስትሪት ጆርናል ሓቢራ።

ኣብዚ ናይ እገዳ መደብ፣ ምስ ኤርትራ ተረቑሐን ዘለዋ ሃገራት፣ ሱዳን፣ ታንዛንያ፣ ናይጀርያ፣ ሚያንማር፣ ቤላርሱን ካዛጊስታንን’የን።

እቲ እገዳ፣ ብንግዲን ካልእን ንዝገሹን ኣብ ኣመሪካ ንምንባርን ቪዛ ንዝሓቱ ዘተኮረ ምዃኑ እቲ ምንጪ ኣመልኪቱ።

እቲ እገዳ፣ ብንግዲን ካልእን ንዝገሹ በጻሕቲ ሃገረን ኣብ ኣመሪካ ንምንባርን ቪዛ ንዝሓቱ ዘተኮረ ምዃኑ እቲ ምንጪ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እቲ ምንጪ ገለ ሃገራት’ውን ካብ ዲቪ ሎተሪ ክእገዳ’የን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ኣመሪካ ንዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ክቕበል ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፣ ምምሕዳር ትራምፕ፣ ካብ መስከረም 2017 ኣትሒዙ፣ ንዝተፈላለየ ቪዛታት ንዝሓቱ ኤርትራውያን እገዳ ኣንቢሩ’ዩ ጸኒሑ።

ካብ 5 ጥሪ 2018 ኣትሒዙ ድማ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ እገዳ ተነቢሩ ከምዘሎ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምእዋጁ፣ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣስፊሩ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን’ዚ እድማ፣ ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ ናይ መገሻ እገዳ ንምትግባር እማመ ምቕራቡ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ፣ ምስ ሽበራን ካልእን ብዝተሓሓዝ፣ ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ሃገራት ዓረብን እስላምን ናይ መገሻ እገዳታት ምንባሩ ኣይርሳዕን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0