ዝተፈላለያ ሃገራት ብምኽንያት ልደንት ሓድሽ ዓመት ንእሱራት ምሕረት ይገብራ

Radio Erena: 26 December 2019

ብምኽንያት ሃገራዊ በዓላትን ሓድሽ ዓመትን እሱራት ብምሕረት ምፍታሕ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ልሙድ ተርእዮ እንዳኾነ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብዘን እዚ ልምዲ’ዚ ዘለወን ሃገራት፣ ሓድሽ ዓመት መጸ፣ ብምሕረት ናጻ ክልቀቑ ሃንቀው ዝብሉ እሱራት 10ታት ኣሽሓት ምዃኖም ተገሊጹ።

ሓድሽ ዓመተ 2020 ክኣቱ ሒደት መዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን ድማ ድሮ ሓያሎ ሃገራት፣ እሱራት ከምዝፈትሓ መግለጺታት የውጽኣ ኣለዋ።

በዚ መሰረት፣ ዛምብያ 961 እሱራት ብምሕረት ከተፋኑ ምዃና ቤት ፕረዚደንት እታ ሃገር ብወግዒ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቶም 104 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም እሱራት፣ ብምኽንያት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ብምሕረት ይልቀቑ ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፣ ብዝተፈላለየ ገበናት ካብ ናይ ሕልፈት ክሳብ ንሒደት ኣዋርሕ ዝተፈርዱ’ዮም ኔሮም።

ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፣ ስነምግባራዊ ምምሕያሽ፣ ጣዕሳን ሕብረተሰብኣዊ ኣበርክቶን ስለዘርኣዩ፣ ቀንዲ ረቛሒታት ናይቲ ምሕረት ምዃኑ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ብወገኑ፣ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት እሱራት ክፈትሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ብሰሉስ 24 ታሕሳስ፣ ድሮ ልደት፣ ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ንዝርከቡ እሱራት ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ዓመታዊ ብጅምላ ዝእሰሩ እንተዘይኮይኑ፣ እሱራት ብጅምላ ብምሕረት ምፍናው ልሙድ ተርእዮ ከምዘይኮነ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0