ሶማል፣ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ተጠቒዓ

Radio Erena: 23 December 2019

ሶማል፣ ኣብዚ 25 ዓመታት ዝኸበደ ምዃኑ ዝተገልጸ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ተኸሲቱ።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ፣ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ዝኣተወ ወራር፣ ኣብ ልዕሊ 10ታት ኣሽሓት ሄክታር ልሙዕ መሬት ኣጥቂዑ ከምዘሎ ጸብጻብ ሮይተርስ ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

መንግስትን ህዝብን፣ መድሃኒት ጸረ ኣንበጣ ንምንጻግ ክተሓባበሩ እንተዘይክኢሎም፣ ኣብ ሕርሻ ከቢድ ዕንወት ክበጽሕ ከምዝኽእል ሓረስቶት ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብ ሶማልን ኢትዮጵያን ልዕሊ 70 ሽሕ ሄክታር ልሙዕ መሬት በሪሱ ከምዘሎ ዝሓበረ ውድብ መግብን ሕርሻን ብወገኑ፣ እዚ ተራእዩ ዘሎ ወራር ዕስለ እንበጣ ምድረ-በዳ፣ ኣብዚ 70 ዓመታት እቲ ዝበኣሰ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝውርድ ዘሎ ሓያሎ ዝናብ፣ ንምርባሕ ዕስለ ኣንበጣ ኣጋዲዱ ክኸውን ከምዝኽል’ውን ጸብጻባት እቲ ውድብ ይጠቅሱ።

ኣንጸላልዩ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ካልኦት ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕርን ስግኣቱ ከምዘይትኣለየ ብተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ይቐረብ ኣሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0