ፈረንሳ፣ ንኢትዮጵያ እትህቦ ዘላ ወትሃደራዊ ስልጠና ይቕጽል

Radio Erena: 20 December 2019

 

ፈረንሳ፣ ከም መቕጸልታ ናይቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸተመቶ ምትሕግጋዝ ወትሃደራዊ ስምምዕ፣ ንኣባላት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ስልጠና ሂባ።

እቲ ን50 ፍሉያት ኮማንዶ ዝተዋህበ ናይ ኣየር ወለድ ስልጠና ክልተ ወርሒ ዝወሰደ’ዩ።

ኣብ ምዝዛም እቲ ንካልኣይ ዙርያ ዝተኻየደ ስልጣና፣ ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ፈረንሳ ዝርከቦም ኣዘዝቲ ሰራዊት ፈረንሳን ኢትዮጵያን ተረኺቦም።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት’ዚ’ውን ፈረንሳ ብተመሳሳሊ መንገዲ መንገዲ ፍሉያት ኮንዶ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ስልጠና ከምዝሃበት ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ፣ ምሕያልን ሓይሊ ኣየርን ካልእ ወትሃደራዊ ኣሃዱታትን’ውን ዝተፈላለየ ስምምዓት ከምዝኸተሙ ይጠቐስ።

ኢትዮጵያ፣ ብሓገዝ ፈረንሳ ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም መዲባ እኳ እንተላ፣ ዝድኮነሉ ቦታ ዛጊት ብጽኑር ኣይተፈልጠን።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ምህናጽ ጽርግያን ካልእ ናይ ልምዓት መደባትን ዝውዕል 140 ሚልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ከምዘለቀሐት ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ድሮ ናይ ልዕሊ 52 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ካብ ቻይና፣ ባንክ ዓለም፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ሃገራት ዓረብን በብእዋኑ ተወሳኺ ቢልዮናት ትልቃሕ ከምዘላ ጸብጻባት የመልክቱ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0