ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ፣ ዝጸንሐን ምስሕሓብ ንምፍታሕ ብምስጢር ርክባት ምክያደን ተገሊጹ

Radio Erena: 02 December 2019

ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ዝጸንሐን ምስሕሓብ ንምፍታሕ፣ ብምስጢር ርካባት ምክያደን ተገሊጹ።

ሮይተርስ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣብ ዝቕረቦ ሓበሬታ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር፣ ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣልታኒ ናብ ሪያድ ከምዝበጽሐ ኣረጋጊጹ።

እቲ ሚኒስተር ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝበዝሐ እቲ ምንጪ ከረጋግጽ እኳ እንተኸኣለ፣ ዝርዝር ዝተራኸቦም ሰበ ስልጣን እቲ ንግስትነት ግና ኣይተፈልጠን።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ካብ ሰነ 2017 ኣትሒዘን ንቀጠር ንምንጻል ኣብ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካውና ዲፕሎማስያውያን ከበባ ከምዘእተውኣ ይዝከር።

እንተኾነ፣ እቲ ከባብ ኣብ ቀጠር ኣድማዒ ጽልዋ ከምዘፈጠረ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ድሕሪ ናይ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ከበባ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ባሕሬንን፣ ኣብ ቀጠር ንዝካየድ ዋንጫ ወሽመጥ ሃገራት ንምስታፍ፣ ሃገራውያን ጋንታታ ኩዕሶ እግሪ ናብ ኣዶሓ ልኢኸን ይርከባ።

ኣብ መንጎ ስዒዲ ዓረብ ቀጠርን ዝተፈጥረ ምክፍፋል፣ ነተን ካብዘን ሃገራት ዝርከብ ሓገዝን ምጽዋትን ዝጽበያ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸግዕታት ናብ ምሕያዝ’ዩ ደፋፊኡወን።

ኤርትራን ጅቡቲን ጸግዒ ስዑዲ ዓረብ ክሕዛ እንከለዋ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ግና ዘይሻራዊ መርገጺ’የን ወሲደን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0