ኣል ሑቲ ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ ሚሳይል፣ 8 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 10 November 2019

ኣል ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ወደባዊት ከተማ ኣልማኻ ብዘካየዶ ናይ ሚሳይል ደብዳብ፣ ብዉሑዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።

ወሃብ ቃል ኣልሑቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ በቲ ደብዳብ ሓያሎ ወተሃደራዊ መኽዘናት ስዑዲ ከምዝተቓጸለ የመልክት።

እንተኾነ ማዕከናት ዜና ስዑዲ ዓረብ ብዝህቦኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ ኣልሑቲ ዝወንጨፎም ባለስቲክ ሚሳይላት፣ ብጸረ ሚሳይል ተወቒዖም ከምዝበርዓኑ ይገልጻ። ቀንዲ ዒላማ’ቲ ደብዳብ ከኣ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ካልድ ምንባሩ ኣነጺረን።

ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እዚ ብኣልሑቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ባለስቲክ ሚሳይል፣ ነቲ ኣፋፍኖት ኣርእዩ ዝጸንሐ ዝርርብ ሰላም ከየጸልምቶ ስግኣት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

በቲ ደብዳብ ብውሑዱ 12 ሰባት ቆሲሎም ከምዘለዉ፣ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ የመልክት።

===============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0