ሩስያ፣ ኤርትራ ንእትርከብን ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ 4 ቢልዮን ዶላር ኣጽዋር ንምሻጥ መደብ ከምዘለዋ ተገሊጹ

Radio Erena: 28 October 2019

ሩስያ፣ እዚ ዓመት ቅድሚ ምዝዛሙ፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ 4 ቢልዮን ዶላር ኣጽዋር ናይ ምሻጥ መደብ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 23ን 24 ጥቅምቲ ኣብ ሶቺ ዝተኻየደ ዋዕላ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን’ዩ።

ማዕከን ዜና ስፑትኒክ ንዳይረክተር ክፍሊ ወትሃደራዊ ቴክኒክ ኣናቶሊ ፑንቹክ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦዝ ኤና፣ ክብ ሩስያ ኣጽዋር ንምሽማት ድሌት ዘርኣያ ሃገራት ኤርትራ፣ ናይጀርያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ካሜሮንን’የን።

ብፍላይ ናይጀርያ፣ 12 ሄሊኮፕተራት ውግእ ንምሽማት፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሩስያ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ስምምዕ ከቲማ ኣላ።

ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ኣቐዲማ ዝኣዘዘተን ፣ Tu-160 ዝዓይነተን ክልተ ዓበይቲ ናይ ደንዳብ ነፈርቲ፣ እቲ ዋዕላ ኣብ ዝተዛዘመሉ ዕለት ናብ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ፕሪቶርያ ተላኢኸን።

ኤርትራ’ውን፣ ሄሊኮፕተራት ውግእ ዝርከቦ ወትሃደራዊ ንዋት ካብ ሩስያ ንምሽማት ድሌት ከምዘለዋ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ሩስያ ከተማ ሶቺ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ኣፍሪቃን ሩስያን፣ 10ታት መራሕቲ ሃገራት ክርከቡ እንከለዉ፣ ኤርትራ ግና ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ’ያ ተወኪላ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0