ቀ/ሚ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ምስጓግ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ምስ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ምዝርራቡ ገሊጹ

Radio Erena: 04 October 2019

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፣ ኣብ ጉዳይ ምስጓግ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረበ ተገሊጹ።

ማዕከን ዜና ታይምስ ኦፍ እስራኤል፣ ብፌስቡክ፣ ብቪድዮ ንዝተፈነወ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ምርጫ ዘመተ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ኤርትራውያን ካብ እስራኤል ንምስጓጎም “ዝተበላሓተ ሜላ” ከምዘለዎ ከምዝገለጸሉ’ዩ ናታንያሁ ዝሕብር።

እንተኾነ ብዛዕባ’ዚ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዝሃቦ መግለጺ፣ ብወገን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መብርሂ የለን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ናብ እስራኤል ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ከምዝዘተዩ ዝዝከር’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፣ ኣብ ጉዳይ ምስጓግ ኤርትራውያን ብዝምልከት ምስ መራሕቲ ርዋንዳን ኡጋንዳ’ውን ተደጋጋሚ ዝዝርባት ከምዘካየደ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ መራሕቲ ርዋንዳን ኡጋንዳን፣ ብድሌቶም ካብ እስራኤል ንዝወጹ ኤርትራውያን ደኣ’ምበር፣ ብግዴታ ንዝስጎጉ ክቕበላ ከምዘይተሰማምዑ’ዮም ዝጠቕሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ክስጎጉ እንተኾይኖም፣ መንግስቲ እስራኤል ንነፍሲ ወከፍ ዝሰጎ ኤርትራዊ፣ 50 ሽሕ ዶላር ንመንግስቲ ኤርትራ ክኸፍል ከምዘለዎ ከምዝሓበሮም ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኣብ እስራኤል፣ ኣስታት 30 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቅባን ስደተኛታት ከምዘለው ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክት።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ኣስታት 14 ሽሕ ኤርትራውያን በብዝተፈለለየ መንገዲ ካብ እስራኤል ወጺኦም’ዮም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Ethiopia has never solved Eritreans constraints. And Dr Abiy the same as the former rulers of Ethiopia, wishes to put us into an endless grief. Why is he knitting such an evil plan on the poor people. Better stepoff our problems. Stupid bloody dictator’smaid.