ሓደ ተማሃራይ፣ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ካብ ትዊተር ስለዝዓጸዎ ክሲ መስሪቱ

Radio Erena: 29 August 2019

ኣብ ኣመሪካ፣ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ናይ ማስተርስ ትምህርቲ ዝከታተል ዘሎ፣ ኡጋንዳዊ ሂላሪ ሱጉያ፣ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቪኒ፣ ካብ ቲውተር ስለዝዓጸዎ ሕጋዊ ክሲ መስሪቱ።

እቲ ኡጋንዳዊ ተማሃራይ፣ ንፕረደዚደንት ሙሴቬኒ ዝኸሰሰሉ ምኽንያት፣ “እቲ ፕረዚደንት ካብ ትዊተር ምስጓጉ፣ ብዛዕባ ሃገረይ ሓበሬታ ከይረክብ ስለዝኸልከለኒን መሰረታዊ መሰለይ ብምግሃሱን’ዩ” ይብል።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ብዛዕባ መዓልታዊ መንግስታዊ ንጥፈታቱ፣ ብመንገዲ ትዊተር ከምዝዝርግሕ ዝሓበረ እቲ ተማሃራይ፣ ካብዚ ብዛዕባ ሃገሩ ሓበሬታ ዝወሃበሉ ናይ ፕረዚደንት ወግዓዊ ትዊተር ክስጎግ ዘፍቅድ ሕጊ ከምዘየለ’ዩ ዝማጎት።

እቲ ተማሃራይ፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት፣ ክልተ ላዕለዎት ስበ ስልጣን ኡጋንዳ’ውን ተመሳሳሊ ክሲ መስሪቱ ኣሎ።

ንሂላሪ ሰጉያ ካብ ትዊተር ከምዝዓጸዎ ዝተኣመነ ኣፈኛ መንግስቲ፣ ኦፎኖ ኦዶፖ፣ እቲ ተመሃራይ፣ ጎነጻዊ ቃላታ ስለዝጥቀም፣ ከምዝኣለዮ’ዩ ዘመልክት።

ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት ዶን ዋንያማ ብወገኑ፣ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ በጺሑ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህብ ከምዘይደሊ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ እቲ ኡጋንዳዊ ተማሃራይ፣ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ-መጠይቅ፣ ንፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ውልቀ መላኺ ክብል ደጋጊሙ ስለዝጠቕሶ፣ እቶም ሰበ ስልጣን ካብ ትዊተር ከም ዝዓጸውዎ’ዩ ዝእምት።

ንህዝብን መንግስቲን ዝወከሉ መራሕቲ፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ክገልጽ ይኹን ርእይቶኡ ከስምዕ፣ ስለምንታይ’ዮም ዝኽልክልዎ ክብል’ውን መደምደምትኡ ብመልክዕ ሕቶ ኣቕሪቡ።

ን33 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብምክያድ፣ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመት’ውን ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ’ዩ ዝጊስጉስ ዘሎ።

እቲ ፕረዚደንት ኣቐዲሙ፣ ዕድመ ንፕረዚደንት ኡጋንዳ ዝወዳደር ዜጋ ካብ 75 ዓመት ክሓልፍ የብሉን ንዝብል ቅዋም ብምቅያር፣ ናይ ዕድመ ገደብ ከምዝሰረዞ ኣይርሳዕን

ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ኣብ እዋን ምርጫ 76 ዓመት ክመልእ’ዩ። ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝነበረ ቅዋም እታ ሃገር ድማ ኣብቲ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ክሳተፍ ኣይፍቀደሉን’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0