ቀጠር፣ ኣብ ሶማል ዘመናዊ ወደብ ክትሃንጽ’ያ

Radio Erena: 26 August 2019

ቀጠር፣ ኣብ ሶማል ዘመናዊ ወደብ ክትሃንጽ ምዃና ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ዘፍለጠት፣ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣል ታኒ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሶማል ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ።

ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ጃሲም ቢን ሰይፍ ኣል ሱልጣኒን ካልኦት ላዕለዕዎት ሰበ ስልጣንን ዝሓቖፈ ልኡኽ ቀጠር፣ ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝጸንሐሉ ሓደ መዓልቲ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ዓሊ ኻይረን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብምርኻብ፣ ኣብ ወፍሪ ወደብን መጓዓዝያን መራኸቢታትን ዘተረኮረ ሓያሎ ኣርእስታት ተመያይጦም።

ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ኣቐዲሙ ምስ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብደላሂ ፋርማጆ ብዝበጽሕዎ ምርድዳእ መሰረት፣ ንወደብ ሖብያ ናይ ሶማል፣ ብዘመናዊ መልክዕ ንምህናጹ ክጅምር ምዃኑ ሰበ ስልጣን ቀጠር ኣብቲ ናይ ሞቛድሾ ርክብ ገሊጾም።

ወደብ ሖብዮ ናብ ባብ ኤል መንደብ ቅርበት ስለዘለዎ፣ ብዘመናዊን ኣህጉራዊ መለክዒታት ብዘማልእ መልክዕን እንተተሃኒጹ፣ ካብቲ ዞባ ሓሊፉ ብደረጃ ዓለም ዝህልዎ ቆላሕታ ክዓቢ ምዃኑ ልኡኽ ቀጠር ኣብቲ ኣጋጣሚ ጠቒሱ።

ልኡኽ ቀጠር፣ ናብ ሶማል ዝቐንዐ ገዚፍ ፕሮጀክታት ዘቃልዕ ዘሎ፣ “ኣብ ሶማል ዝርከቡ ዕጡቓት ብቀጠር’ዮም ዝድገፍ” ዝብል ክስታት ኣብ ዝውሕዘሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ቀጠር፣ ቅድሚ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ኣብ ሱዳን’ውን ተመሳሳሊ መደባት ከምዝነበራ ኣይርሳዕን።

እዛ ሃገር ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትገብሮ ዘላ ቁጠባዊን ንግዳውን ምንቅስቓሳት፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ግብጺን ብኣሉታ’የን ዝርእየኦ።

ብፍላይ ግብጺ፣ ቀጠርን ምስ ቱርኪ ብምሽራኽ፣ ኣብ ዝተፈላለይ ሃገራት ሕውነት እስላም ንዝተባህለ ምንቅስቃሳት ትድግፍ ከምዘላ’ያ ብወግዒ ትወቅስ።

ኤርትራን ጅቡቲን፣ ምስ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ብምውጋን ምስ ቀጠር ዝነበረን ዝምድና ከዛሕትላ እንከለዋ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ግና፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመት ዓረብ ዘጋጠመ ምክፍፋል፣ ብዘተን ዕርቂን ክፍታሕ ከምዝደልያ ብምርግጋጽ፣ ናይ ዝኾነ ጸግዒ ኣይሓዛን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0