ሊብያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 335 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም

Radio Erena: 20 August 2019

ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 300 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሓዘ ገሊጹ።

ኣፈኛ ‘ቲ ሓይሊ ባሕሪ ጀነራል ኣዩብ ቓስም፣ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ብ17 ነሓሰ፣ ዝተታሕዙ ስደተኛታት፣ መብዛሕትኦም ካብ ከተማ ኾምስ ዝተበገሱ’ዮም።

ኣብ ኣርባዕተ ዝንፍሓ ጀላቡ ዝተጻዕኑ፣ 35 ደቂንስትዮን 11 ቆልዑን ዝርከብዎም፣ 278 ስደተኛታት፣ ካብ ኾምስን ሳብራታን ድሕሪ ምብጋሰን ክትሓዛ እንከለዋ፣ 57 ስደተኛታት ዝጸዓነት ካልእ ጃልባ ድማ ካብ ዛውያ ዝተበገሰት ምዃና እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ካብ ጣራብሎስ፣ 120 ኪሎሜተር ንምብራቕ ርሒቓ እትርከብ ኾምስ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ብሕማቕ ተታሒዞም ከምዘለዉን፣ ካብ ባሕሪ ዝተገፍዐ ሬሳታት ብጾቶም ክቐብሩ ከምዘይክኣሉን ብምረት ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0