ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት  ኤርትራ

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ

Radio Erena: 17 June, 2014

Human rights

ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝርክብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዝምልከት ሰፊሕ ምይይጥ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ትማሊ 16 ሰነ ኣብ መንጎ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሸይላ ኪታሩት፣ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከቶም ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝጀመረ ዘተ፣ ሎሚ ጽባሕን’ውን ሓያሎ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዘቕርብዎ መርትዖታት ክቕጽል’ዩ።

ኩነታት ሰብኣዊ ኤርትራ ሓደ ካብቲ ኣዘራረቢ ጉዳያት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፣ እቲ ውድብ ንጸብጻባትን መርትዖታትን ናይቲ ዝቐረብ ዘተ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ወቕታዊ ጸብጻቡ ክዝርግሕ’ዩ።

 

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሳዕቤናቱን ኣኸቲሉ ከምዘሎ’ውን ብተደጋጋሚ’ዩ ዝግለጽ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0